Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ዓይደር ሙሉእ ሕክምና ካንሰር ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምፕረሀንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፈላማይ ሙሉእ ሕክምና ካንሰር ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ካብ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደ ዝኾነ ሕማም ካንሰር ኣብዚ ሐዚእዋን ብብርኪ ሃገርን ክልልን ብስፍሓት ካብ ዝርኣዩ ሕማማት ሓደ እዩ።

ኣብ ሃገርና ብብዝሓት ዘጋጥም ሕማም ካንሰር ጡብ ከም ዝኾነ ኣብቲ ሆስፒታል ስፐሻሊስት ጨረርን ሕክምናን ካንሰር ዶ/ር ክብሮም ሕሉፍ ኣብሪሆም።

ሕማም ካንሰር ክጅምር ከሎ ምልክት ከም ዘይብሉ ዝገለፁ ዶ/ር ክብሮም፥ ኣቐዲምካ ንምፍላጥን ንምቁፅፃርን ከቢድ ከም ዝገብሮ ሓቢሮም።

እቲ ሕማም ደረጅኡ እንዳወሰኸን እንዳተስፋፍሐን ምስመፀ ግና ሕበጥ ምዉፃእ፣ ምድካም፣ ምንካይ ድልየት ምግቢ እንተጋጥም ብምርመራ ኣቢልካ ከም ዝፍለጥ ኣረዲኦም።

እቱ ሕማም ፆታን ዕድመን ዘይፈሊ ንኹሉ ሰብ ዘጥቅዕ እንትኸዉን፥ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዝበፅሑ ብርክታት ከም ዘለዎዎ ገሊፆም።

ቀዳማይ ብርኪ ካንሰር 95 ሚኢታዊ፣ ካልኣይ ብርኪ ካንሰር 80 ሚኢታዊ ብሕክምና ናይ ምድሓን ዕድል እንትህልዎ፥ ሳልሳይ ብርኪ ካንሰር ድማ 50 ሚኢታዊ ናይ ምድሓን ዕድል ኣለዎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ኮምፕረሀንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ካንሰር ዝተጀመረ እንትኸዉን፥ ኬሞትራፕይ ዝብሃል ብግሉኮዝ መልክዕ ብደም ዝወሃብ ሕክምና ካብ ዝጅመር ዛጊድ ሰለስተ ዓመት ኣቑፂሩ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ካብ ጡብ ካንሰር ብተወሳኺ ናይ ጫፍ በሪ ማህፀን፣ መዓንጣ፣ ዓፅሚ፣ ሳንባ፣ ርእሲ፣ ፀላም ከብድን ወዘተ ዝበሉ ብርክት ዝበሉ ሕማማት ካንሰር ከም ዘለዉ ዝሓበሩ ዶክተር ክብሮም፥  ሕብተረሰብ ምትካኽ ሽጋራ፣ ምጥቃም መደንዘዚ እፃት ጠጠዉ ከብልን ምንቅስቓስ ኣካል ክገብርን ከምዝግባእ ምዒዶም።

ብተወሳኺ ምዕሩይ ኣመጋግባ ብፍላይ ኣሕምልቲ ብምምጋብ ሕማም ካንሰር ምክልኻል ከም ዝክኣል ገሊፆም።

ደቂኣንስትዮ ድማ ዓመታዊ ቅድመ ካንሰር ምርመራ ክገብራ ከም ዘለወን ኣረዲኦም።

ሕክምና ጨረር ክሳብ ሐዚ ከም ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ይወሃብ ዘሎ እንትኸዉን፥ ሐዚ ኣብ ዓይደር ንምጅማር ይስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ማሽን ጨረር መፂኡ ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና  ካንሰር ክህብ ዝኽእል 300 መደቀሲ ዓራታት ዘለዎ በዓል 7 ደብሪ ህንፃ እናተሰርሐ ከም ዘሎን እቲ ህንፃ ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ/ም ህንፀቱ ተዛዚሙ ስራሕ ንክጅምር ትፅቢት ዝግበር ከምዝኾነን እውን ተዛሪቦም።

እቲ ጨረር ማሽን ‘ዉን ስራሕ ክጅምር እዩ ኢሎም።

እቱ ህንፃ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ስራሑ እንትጅምር፥ ብሰንኪ ሕማም ካንሰር ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝኽየድ ዝነበረ ብምትራፍ ኣብ ዓይደር ምሕካም ከም ዝክኣል ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.