Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ኣብዱላሂ ያሬ ተቐቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ኣብዱላሂ ያሬ ብዝተወሰደሉ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተቐተለ መንግስቲ ሶማሊያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ሓበሬታ ሶማሊያ ከምዝሓበሮ÷ መስራቲ ኣልሸባብ ከምዝኾነ ዝእመነሉ ኣብዱላሂ ያሬ ኣብ ከባቢ ጠረፍ ባሕሪ ሃራምካ ሶማሊያ ብዝተወሰደሉ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሉ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ÷ ነበር ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሹራን ዳይሬክተር ፋይናንስ ሹራን ከምዝነበረ እውን ተገሊፁ፡፡

ከም ገለፃ እቲ ሚኒሰስቴር÷ መራሒ ኣልሸባብ ምቕታሉ ንሰላምን ድሕንነትን ሶማሊያ ከምኡ እውን ንምድኻም እቲ ጉጅለ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ÷ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ ሞሃሙድ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኩለመዳይ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ቃል ምእታዎም ስዒቡ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ኣል ዓረቢያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.