Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ዝዘረፉ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 2 ሚሊየን ብር ካብ ባንኪ ዝዘረፉ ሰለስተ ተጠርጠርቲ እቲ ገበን ምስ ፈፀሙ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ ይግበር ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ዝተወደቡ ዘረፍቲ 17 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ናብ 18 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 11 ካብ ዝርከብ ኣብ ውሽጢ ቅርንጫፍ ሲ ኤም ሲ ሕብረት ባልኪ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ  ብምምሽጣር ሓደ ሓለዋ ብምምዳብ፣ ብምዕፋንን እግሩን ኢዱን ብምእሳርን ገበን ዘረፋ ፈፂሞም ከምዝተሰወሩ ተገሊፁ።

ይኹን እነበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብመሰረት ዝበፅሖ ሓበሬታ ኣድላዪ መረዳእታ ብምልውዋጥ ብዝገበሮ ክትትል እቲ ገበን ምስተፈፀመ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሰለስቲኦም ተጠርጠርቲ ምስ ዝዘረፍዎ  2 ሚሊየንን 100 ሺሕን 969 ብር፣ 900 ዶላር ፣ 65 ድርሃም ከምኡውን 8 ሞባይላትን ውልቀሰባትን ንተግባር ገበን ምስ ዝተጠቐመሉ ኮሮላ መኪና ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.