Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 21 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ዝሰረቑ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 21 ሚሊየን ብር ዝግመትን ንዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ማይ ዘገልግልን ንብረት ዝሰረቑ ሸውዓተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ተጠርጠርቲ እቲ ገበን ስርቂ ዝፈፀሙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ወረዳ 3 ኣርባ ዘጠኝ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘህንፆም ቀፅሪ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

መምርሒ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ሓለፊ መተሓባበሪ ምርመራ ገበን ጣቢያ ፖሊስ ከባቢ በሻሌ ምክትል ኢንስፔክተር ደበበ ከለላው ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ውሽጢ መጋዘን ተቐሚጡ ዝነበረ ኤልቦ ፕላስቲክ መገጣጠሚ ቱቦ ማይ ዝተሰረቐ፤ ብተሓባባራይነት እቲ ንብረት ንኽሕልዉ ሓላፍነት ብዝተውሃቦም ውልቀ ሰባ በተሰጣቸው ኢዩ፡፡

ግምታዊ ዋጋኡ 21 ሚሊየን 959 ሺሕን 600 ብር ዝኾነ እቲ ንብረት ለይቲ ምስሰረቑ ካብቲ ቀፅሪ ብሓፁር ብምውፃእ ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3-A 55424 ኣ.ኣ ብዝኾነት ተሽከርካሪት ንምፅዓን እንትሰናድኡ ፖሊስ ብዝገበሮ ክትትል ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ተባሂሉ፡፡

እቲ ንብረት ንኽሕልዉ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብምርሳዕ ምስ ተጠርጠርቲ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ካልኦት ኣርባዕተ ውልቀሰባት እውን ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.