Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 35 ሺሕ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ምቁራፆም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርስቲታት ብዝተፈጠረ ስእነት ሰላም ልዕሊ 35 ሺሕ ተምሃሮ ትምህርቶም ገዲፎም ምውፀኦም ከምዘረጋገፀ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህቲን ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ሳያንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህቲን፥ ዩኒቨርሲቲታት ሰላም ዝሰኣኑሉ ዛዓባታት ብምድሃብ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ገምጋምን ዘተን ይገብር ኣሎ።

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲታትን ሚኒስቴር ሳያንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህቲን ዝተውፃእፅኡ ኣካላት፥ ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝተፈጠረለን 22 ዩኒቨርሲቲታት ብኣካል ተረኺቦም ብዝገበሩዎ ምልከታ ዝተሰናደአ ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ድማ፥ ስእነት ሰላም እተን ዩኒቨርሲቲታት ግደ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝርከቡ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ዘውፅኡዎም መግለፂታን ካብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ወፃኢ ንተምሃሮ ብምእካብ ዝወሃቡ ስራሕቲ ልኡኽቶን ንምሃዋኽ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃሩ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ልኡኽቶ ዝተቐበሉ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ትምህርቶም ብኣግባቡ ክመሃሩ ዝደልዩ ተምሃሮ ኣብ ኣካላዊ፣ ስነ ልቦናዊ፣ ህይወትን ንብረትን ልዑል ጉድኣት ብምብፃሕ ጎንፂ ንምፍጣር ከምዘለዓዕሉዎም ተሓቢሩ።

ዝተዛብዑን ዝተጋነኑን ሓበሬታታት ብመራኸብቲ ሓፋሽ ምፍናው፣ ኣመራርሓታት ዩኒቨርሲቲ ፀገማት ካብ ደገ ዝመፅኡ ኢዮም ምባልን ሸለልተኝነትን ካልኦት ብዙሓት ምኽናያታትን ንስእነት ሰላም እተን ዩኒቨርሲቲታት ምኽንያት ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ሚኒስቴር፥ እተን ትካላት ትምህርቲ ፀገም ፀፅታ ምፍታሕ ንኽኽእላ ብስግኣት ድሕንነት ዝወፅኡ ተምሃሮ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

እተን ትካላት ንምርግጋዕ፥ ኣብ 22 ዩኒቨርሲቲታት ዝነበሩ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃዊኾም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 640 ተምሃሮ፣ 40 መምህራንን ልዕሊ 240 ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.