Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 44 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 44 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስትር እቶት ኣፍሊጡ።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ካብ ሃገር ክወፅኡን ናብ ሃገር ክኣትዉን ክብሉ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ 43 ሚሊየም 12 ሺሕን 9 ብር ኣታዊ 1 ፣ሊየን 437 ሺሕን 851 ብር ድማ ክወፅኡ ክብሉ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ጉምሩኽ ኣቃቂ ቃሊቲን ሞያሌን ልዑል ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ፣ ወርቂ፣ መውፅ ማሽን ወርቂ፣ ተሸከርከርቲ፣ ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ ጫማታት፣ ምግቢ ተንከፍ፣ መሳርሒታት ኲናት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኮስሞቲክስ፣ ሺጋራ፣ መዐወኒ ሓሺሽ፣ ልባስ ክዳውንቲ፣ መለዋወጢ፣ ኣፋውስን ካልኦትን ይርከቡዎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.