Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትግራይ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትግራይ አብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

እቶም ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ዓዲ ክወፁን ክኣትውን ዝተረኸቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ጉምሩክ ሑመራ ኮማንደር መሰለ ይማም ከምዝበልዎ፥ እቶም ናውቲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኢዮም።

ሓለውቲ ኬላን መኽበርቲ ፀጥታት ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ርብርብ ድማ አብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለዉ።

እቲ ሓለዋ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሓቢሮም ክብል ድወት ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.