Fana: At a Speed of Life!

ሐዚ ገንዘብ አንተይኮነስ ሃገርን ሀዝብን እነትርፈሉ እዋን ኢዩ- ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣  25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሐዚ ገንዘብ አንተይኮነስ ሃገርን ሀዝብን እነትርፈሉ እዋን ኢዩ ክብላ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ  ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኣብታ ከተማ ዝሰትውዓል ዘሎ ኣሻጠር ኢኮኖሚን ሕገወጥ ተግባራትን ንምከልኻለን ንምቁፅፅርን ኣብ ስራሕ ዘሎ ግብረ ሓይሊ ኣፈፃፅማ ስርሑ ተገምጊሙ።

ኣካቢት እቲ ቦርድን ምክትል ከንቲባን ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት በዘካየዶ ክትትልን ቁፅፅርን ሓፈሻዊ ሰርዓት ዕዳጋ መርግገጋዕ ከምዝኸኣለ ተዛሪበን።

እዚ ድማ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ከምዘምፅአ ምግላፀን ካብ ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እንበር ሐዚ እውን ሕገ ወጥ ኣብ ምቁፅፅፃር፣ እቲ ኣኛጥር ብቐፃልነት ኣብ ምግታእ፣ ሌብነት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ እንቅስቃሴ ሕብረተሰብ ዝህውኹን ፅዕንቶ ዝፈጥሩን ተግባራት ምስ ምፍታሕ ኣንፃር ሐዚ እውን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተርፉ ኣመላኺተን።

ሕብረተሰብ ዝኾነ ይኹን ዘይሕጋዊ ተግባር እንትርእይ ብ9977 ነፃ መስመር ሰልኪ ብምድዋል ሓበሬታ ነክህብ ፃውዒት ኣቕሪበነ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.