Fana: At a Speed of Life!

ሓበሬታ ፌስቡክ ካብ ሞንጎ ዝተጠለፈሎም ሰባት ልዕሊ 12 ሺሕ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣካውንታት ይርከቡዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ .ቢ.ሲ)ብጠለፍቲ መርበብ ሓበሬታ ካብ ሞንጎ ዝተጠለፈሎም 533 ሚሊየን ተጠቀምቲ ፌስቡክ እቶም ልዕሊ 12 ሺሕ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረቶም ዝገበሩ ኣካውንታት ፌስቡክ ይርከቡዎም ተባሂሉ።

ጠለፍቲ ሓበሬታ ካብ ፌስቡክ ዝሰረቑዎ ሓበሬታ ውልቀሰባት ኣብ ህዝባዊ ፎረም ናፃ ጠለፍቲ ሓበሬታ ከምዝርከብ ኢዩ ብሌፒንግ ኮምፒዩተር ፀብፂቡ ዘሎ።

እቲ ካብ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝተሰረቐ ሓበሬታ ንፈለማ እዋን ብጠለፍቲ ንኣባላት ምሻጥ ዝጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ሰነ 2020 ጀሚሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተጠለፈ ሓበሬታ ብቀንዱ ተጠቀምቲ ህዝባዊ ክገብሩዎም ዘይደልዩዎም ሓበሬታታት ከምዝኾኑ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ካብ ሞንጎ ዝርዝር ዝተሰረቑ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ድማ ስልኪ ቁፅሪ፣ መለለዪ ፌስቡክ፣ ሽም፣ ፆታ፣ ኣድራሻ፣ ፍቕራዊ ርክብን መዓልቲ ልደትን ከምዝርከቡዎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ናይ 12 ሺሕን 753 ተጠቀምቲ ፌስቡክ ናይ ውልቀ ሓበሬታታት ኣብ ኢድ ሰረቕቲ ሓበሬታ ከምዛተወ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.