Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ወራሪ ህወሓት ዝጨፍጨፎም ናይ ንፁሃን ሰባት ጅምላ መቓብራት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ወራሪ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባትን ጣቢያ ጭና ተክለ ሃይማኖትን ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ብግፍዒ ከምዝዝጨፍጨፈ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ዝበፅሐ ዘስካኽሕ ጭፍቸፋ ግብኣተ መሬት ወራሪ ህወሓት ብምቅልጣፍን ንህዝቢታት ዳግም ስግኣት ከይኸውን ብምግባር ደሞም ከምዝምለስ ጥርጥር የብሉን ኢሎም።

ኣይተ ግዛቸው ከምዝበሉዎ፥ “ብፅልኢት ዝሰኸረን ምጭፍጫፍ ዕለታዊ ተግባሩ ዝገበረ ወራሪ ህወሓት ካብ በደል፣ ስቓይን ግፍዒን ንምንጋፍ ቅልጣፈነሳ ወሲኽና ኣብ ዘለዎ ግብኣተ መሬቱ ብምፍፃም ንህዝብና ክነድሕን ይግባእ” ኢሎም።

ሚዲያታት እውን እዚ ሓቂ ዓለም ንኽልጦን ምስቲ ወራሪን ጨፍጫፊን ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ሓቢሮም ደው ንኽብሉን ነቲ ተግባር ንኽኹንኑን ብቅልጡፍ ምፅብፃብን ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ከርድኣን ከምዘለወን ሓቲቶም።

ኣብ በረኻ እናተዋግኡዎ ዝርከቡ ጀጋኑ ምፅር ዘይከኣለ ሓይሊ ወራሪ ህወሓት፥ ኣብ ገዝኦም ዝነበሩ ሽማግለታት፣ ህፃናትን ኣደታትን ናብ ዘለዉሉ መንደር ብምእታው ግፍዒ ከምዝፈፀመሎም ኣይተ ግዛቸው ገሊፆም።

ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣቲዩ ቀሻውሽቲ ጨፍጪፉ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ሓይሊ፥ ቅድም ክብል ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ክልል ዓፋር ዝፈፀሞ ዘስካሕኽሕ ጭፍጨፋ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭና ጣቢያ ተክለሃይማኖት ዳግም ፈፂሙዎ።

“እቲ ሰይጣናዊ ጉጅለ ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ብቅልጡፍ ግብኣተ መሬቱ ክሳብ ዘይተፈፀመ ካልኦት ጨፍጫፋት ከምዝፍፅም ግልፂ ኢዩ” ኢሎም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ብተመሳሳሊ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ጣቢያ ጭና ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ጭፍጨፋን ገበን ምፅናት ዘርኢን ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.