Fana: At a Speed of Life!

ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽ ክተዘዋውር ዝተረኸበት ታይላንዳዊት ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ምስ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽ ክተዘዋውር ዝተረኸበት ታይላንዳዊት ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ።

ኣብ ትሕቲ ዳይሬክቶሬተረ ዘፈር ኢንተለጀንስ ምክልኻል ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽን መራኸቢ ራዲዮን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝርከብ ምቁፅፃር መዐወኒ ሓሽሽ ምክትል ዳይሬክቶሬት ምስ ብሄራዊ ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ትማሊ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝገበሮ ክትትል ተጠርጣሪት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓላ ኣፍሊጡ።

እታ ተጠርጣሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ታይላንድ ባንኮክ ጉዕዞ እናገበረት ዝነበረት እንትትከውን፥ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘት ምክትል ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ምቁፅፃር መዓወኒ ሓሽሽ ኮማንደር መንግስተኣብ በየነ ገሊፆም።

ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽ ብምዝውዋር ዝተጠርጠረት ውልቀሰብ እቲ መዓወኒ ሓሽሽ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ሳንጣ ብምሕባእ ንምሕላፍ ዝፈተነት እንትትከውን፥ ኣካላት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከውዕልዋ ከምዝኸኣሉ እቶም ኮማንደር ተዛሪቦም።

ኣብ ኢዳ ዝተረኸበ 2 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ዝተብሃለ ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝኾነ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.