Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ኩሊት ንምክልኻል ዝሕግዙ ተግባራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምልክታት ከቢድ ሕማም ኩሊት እንታይ እንታይ ኢዮም?

መበገሲ ምኽንያት ሕማም ኩሊት ብዙሓት ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ምስ እዚ ጎድና ጎድኒ ድማ እቲ ሕማም ከከምዝፀንሐሉ ደረጃ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምልክት ከምዝለዉዎ እውን ሰብሞያታት ሕክምና የብርሁ፡፡

እዞም ካብዚ ቀፂሎም ዝተፀርሑ ምልክታት እቶም ቀንዲ ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ንሳቶም እውን፦

  • ሕፅረት ደም፣
  • ደም ዝተሓወሶ ሽንቲ ፣
  • ዝፀለመ ሽንቲ፣
  • ምንካይ መጠን ሽንቲ ፣
  • ምሕባጥ ኢድ፣ እግሪን ዓካ ዓካሪቶን
  • ስምዒት ድኻም ፣
  • ድፍኢት ደም፣
  • ድቃስ ምስኣንን ኣብ ቆርበት ምሕኻኽን ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስኣን ድሌት ምግቢ፣ ኣብ ደቂ ተባዕቲዮ ብልዕቲ ዘይምልዓል፣ ኣብ እዋን ለይቲ ቶሎ ቶሎ ናብ ሽንቲ ምምልላስ፣ ሕፅረት ትንፋስ፣ ኣብ ሽንቲ ፕሮቲን ምርካብ ብቅልጡፍ ዝቀያየር ክብደት ሰውነት ሕማም ርእሲን ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ሽንቲ ዘይምዑቋም፣ እኹል ማይ ምስታይ፣ ጨው ዝበዝሖ ምግቢ ዘይምምጋብ፣ መጠን መስተ ኣልኮል ምንካይ፣ ሽጋራ ዘይምትካኽን ካልኦትን ሕማም ኩሊት ንምክልኻል ዝሕግዙ ኢዮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.