Fana: At a Speed of Life!

ሕድሪ ተረከብትን ደቂ ተጋደልትን መናእሰይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ብዓል11 ለካቲት ኣብ ደጀና ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕድሪ ተረከብትን ደቂ ተጋደልትን መናእሰይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ብርታዊ ቃልሲ ህውሓት 11 ለካቲት ካብ ከተማ ዓዲ ረመፅ ናብ ደጀና ብእግሪ ብምጓዓዝ ታሪኻዊ መዋፈሪ በዓቲ እንዳባ ውሻው ተዓዚቦም።

ጀነሪል ሳሞራ የኑስ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ደጀና ብምርካብ፥ ምስ ነበርቲ እቲ ከባብን እቶም ተጓዓዝቲ መናእሰይን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦም ከምዘመሓላለፉ ተገሊፁ።

ጀነሪል ሳሞራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሐዚ ዘሎ መንእሰይ ሕድሪ ኣያታቱ ብምርካብን ኣንዊሑ ብምእማትን ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.