Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ታክስ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ኢትዮጵያ ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ – ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቼሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዝገበሮ ምምሕያሽ ታክስ እታ ሃገር ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብ ቻይና ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ናይ ፍሪ ኩባንያ ቼሪ ፈፃሚ ስራሕ ዝኾኑ ጄን ቹዪ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ መብፅሒት ዓለም ለኸ ኣፍረይቲ ተሽከርከርቲ ዝኾነትሉ ምኽንያት ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመፅአ ጠለብ ብምፅራሕ÷ ኣብ ኢትዮጵያ መገጣጠሚ ተሸከርከርቲ ምህናፅ ንዝደልዩ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ብመንግስቲ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ጄን ቹዪ ብግደኦም÷ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብምልዓል፤ እቲ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ዝተገበረ ምምሕያሽ ታክስ እውን ኢትዮጵያ ንሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዘለዋ ቆራፅነት ዘመላኽት ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኩባንያኦም ኣካል እዚ ምምሕያሽ ከምዝኸውን ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.