Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ መረፃ ተንከፍ ዝኾኑ ሓበሬታታት ብሚዛናዊነት ክፅብፅቡ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ፓርቲታት ፖለቲካ ንህዝቢ ዘቕርቡዎም ፖሊሲታትን ፕግራማትን ሚዛናዊነት ብዘዓሰሎ መልክዑ ክፅብፅቡ ከምዝግባእ ምሁራት ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ሙሁራት እቲ ዓውዲ፥ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዘካየደቶም መረፃታት ልምዲ ብምውሳድ ኣብ ዝቕፅል መረፃ ዝሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝሓዙዎም ኣጀንዳታት ህዝቢ ብደምቢ ክፈልጦም ዝኽእለሉ ሜዳ ክፍጠረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽን ረዳት ፕሮፌሰር ጀማል መሓመድ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካ ንህዝቢ ዘቕርቡዎም ፖሊሲታትን ፕግራማትን ንህዝቢ ተበፃሒ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ክፃወቱ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሓበሬታታት ኣብ ዝፍንዉሉ እዋን ድማ ንኹሎም ተናሓኛሕቲ ፓርቲታት ፍትሓዊን ሚዛናዊን ብዝኾነ መልክዑ ሽፋን ክህቡዎም ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽን ዶክተር ጌታቸው ጥላሁን ብግደኦም፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ መረፃ ይኹን ኣብ እዋን መረፃ ትኽክለኛ ፀብፃብ ካብ ምፍናዎም ብተወሳኺንፓርቲታት ዝህቡዎ ሽፋን ዘይሻራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶዶ መምህር ማሕበረሰብ ሳይንስ ኣይተ ንጋቱ ኣበበ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ፓርቲታት ፖለቲካ ንህዝቢ ዘቕርቡዎም ፖሊሲታትን ፕግራማትን መረፅቲ ብግቡእ ንኽርድኡ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ነዚ ሓሳብ ብኣግባቡ ተግባራዊ ንምግባር ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ኣድልዎ ብዝረሓቐ መገዲ ስረሖም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቀፃሊ መረፃ ዝካየደሉ ዕለት ዕላዊ ኣብ ምግባር ከምዝደንጎየ ዝገለፁ እቶም ምሁራት፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝከራኸሩሉ ዓውዲ ንምፍጣር ካብ በሐዚኡ ክዳለዉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.