Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰላም፣ ምትሕብባር፣ ዴሞክራሲን ህንፀት ሃገርን ኣድሂቦም ክሰርሑ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፥ “መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰላም፣ ሓድነትን ህንፀት ሃገርን” ብዝብል ርእሲ ልዝብ የካይድ ኣሎ።

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፥ “መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰላም፣ ሓድነትን ህንፀት ሃገርን” ብዝብል ርእሲ ልዝብ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ሰላምን ኣካቢት ቦርድ እቲ በዓል መዚን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ሚዲያ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ግልፂ ብዝኾነ ፖሊሲ እናተመርሐ ብዘይምፅንሑ ክዓቢ ብዝግበኦ መጠን ክዓቢ ኣይዓበየን ኢለን።

“መንግስቲ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘሎ እዋን ንህንፀት ዴሞክራሲ ዓቢዪ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሉ ካብ ዝፈለዮም ሴክተራት ሓደ ሚዲያ ኢዩ” ዝበላ ወይዘሮ ሙፈሪያት፥ ስለዝኾነ ድማ ሓዱሽ ስትራቴጂን ፖሊሲታትን ተሓንፂፆም ግደ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ከምዝተፈተነ ኣብሪሀን።

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ህንፀት ሃገርን ኣድሂቦም ናይ ባዕሎም ግደ ንኽወፅኡ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝስራሕ እውን ኣገንዚበን።

መራኸብቲ ሓፋሽ ድምፂ ንዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ድምፂ ብምዃን ማሕበራዊ፣ ኢኮኒሚያዊን ፖለቲካዊን ስብራት ብምፅጋን ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ክቕፅል ኣብ ምግባር ክሰርሑ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መሓመድ ኢድሪስ፥ ሚዲያታት ኣብ ሓድነትን ህንፀት ሃገርን ዘበርክቱዎ ኣስተዋፅኦ ቀሊል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.