Fana: At a Speed of Life!

መርዘን ርእሲ ብምንታይ ይፍወስ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርዘን ሓደ ካብቶም ልዕሊ 200 ሕማማት ርእሲ ኮይኑ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ጥዕና ህዝቢ ከም ዝኾነ ይግለፅ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ካብ 14–15 ሚእታዊት ዝርገሐ መርዘን ከም ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቤተ መፃሕፍቲ ሕክምና ከምዘመላኽት ኣብ ጥሪ 2023 ዓ.ም.ፈ ዝተሓተመ ፀብፃብ መፅናዕቲ የረድእ።

እዚ ድማ ክሳብ 1 ነጥቢ 2 ቢልየን ዝበፅሑ ሰባት ብመርዘን ከምዝጥቅዑ የረድእ።

ከም ሓበሬታ እቲ ፀብፃብ፥ ሕማም መርዘን ብበዝሒ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዘጋጥም።

ብሓፈሻ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ በዚ ሕማም ክትሳቐ እንከላ፥ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ግን ካብ 15 እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ብዚ ሕማም ዝሳቐ ይብል።

ሳይንስ ብዛዕባ መርዘን ስለምንታይ ከም ዘጋጥም፡ ስለምንታይ ከም ዘይጠፍእ፡ ንመን ከም ዝጸልዎን ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዘሳቕን ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ኣቃሊዑ እዩ።

መርዘን ክፍወስ ይኽእል ድዩ?

“መርዘን ፈውሲ ኣለዎ ድዩ?” ዝብል ሕቶ፥ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንሕማም መርዘን ዝፍውስ መድሓኒት ኣይረኸቡን።

ይኹን እንበር መርዘን ዘለዎም ሰባት ንብርሃንን ድምፅን ዝያዳ ተነቃፍነት ከም ዘለዎም ንነዊሕ እዋን ዝፍለጥ’ዩ። ስለዚ ሓደ መፍትሒ መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ሰባት ብርሃንን ድምፅን ዝንክይሉ ኣማራፂታት ክጥቀሙ ይኽእሉ። ንኣብነት ቃንዛ ክስምዖም ከሎ ኣዒንቶም ብጨርቂ ብምሽፋን ብርሃን ከይርእዩ ብምክልኻልን እቲ ዝስምዖም ቃንዛ ክንክዩ ተኽእሎ ኣሎ።

ካልእ ኣማራፂ ኣብ ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ዝተመርኮሰ ፍወሳ (Mindfulness-based therapy) እዩ። እዚ ኣማራፂ ኣእምሮናን ኣካላትን ናይ ምፍላጥ ልምዲ ኮይኑ ትኹረትካ ዝሰርቁ ሓሳባት ክመፁ ከለዉ ካብ ኣእምሮ ምእላይ የጠቓልል። ንቃንዛ መርዘንን ምስኡ ዝመፅኡ ስምዒታትን ንምምሕዳር ድማ ከም ዝሕግዝ ይንገር።

ኣገልግሎት ምኽሪ ምርካብ’ውን ከም ዝሕግዝ ተገሊፁ። ኣእምሮኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ (Cognitive behavioral therapy) ዝያዳ ወጥሪ ክፈጥሩን ንመጥቃዕቲ መርዘን ከቃልዑ ዝኽእሉ ሓሳባትን ባህርያትን ንምቕያር ዝሕግዝ መስርሕ’ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኣነባብራና ለውጢ ምግባር’ውን ካልእ ኣማራፂ ምሕደራ ሕማም መርዘን ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክቱ መርትዖታት ኣለዉ። እዚ ለውጢ እኹል ዕረፍቲ ክንረክብ ዘኽእለና ስሩዕ መደብ ድቃስ ልምዲ ምግባር፣ ካብ መርዘን ከበግሱ ዝኽእሉ መግቢታትን መስተታትን ምዕቃብ፣ ኣብ ደገ ንጡፍ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ከም ዮጋ ኣስተንትኖን ዝኣመሰሉ ሜላታት ምዝናይ ምትግባር የጠቓልል።

ኣብ ምሕደራ ሕማም መርዝን ኣበርክቶ ዝገብሩ ገለ መሳርሒታት’ውን ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ንኣብነት፥ ኤለክትሪካዊ ዋሕዚ ብምፍጣር ንንጥፈታት ስርዓተ መትኒ ንምዕባይ ወይ ንምንካይ ዝሕግዝ ኒውሮሞዱሌሽን ዝተበሃለ መሳርሒ ብሓካይም ብመርፍእ ዝወሃብ ኮይኑ ምጭንናቕ ጭዋዳታት ደው ክብል ብምግባር ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ መርዘን ክገብር ዝኽእል ቦቶክስ፣ ፍኹስ ዝበለ መደንዘዚን ካልኦትን የጠቓልል።

ካብቶም ዝተረቑሑ ኣማራፂታት ብተወሳኺ ምልክታት ሕማም መርዘን ንምፍዋስ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ምልክታት ምስ ተረኣየ ብቕልጡፍ ዝውሰዱ እዮም።

ንኣብነት ከም ኣስፕሪን፣ ኢቡፕሮፈንን ፓራሲታሞልን ዝኣመሰሉ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝሽየጡ መድሓኒታት ፀረ-ቃንዛ ብውሱን ደረጃ’ኳ እንተዀነ ካብ ምልክታት መርዘን ገለ ዕረፍቲ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ይፍለጥ። እቲ ዝገርም ግን ብልክዕ ኣብ መርዘን ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ንፁር ኣይኰነን።

ይዅን’ምበር ናብ ደምካ ኣትዮም ነቶም ምልክታት ከቃልሉ ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ እቶም ቀዳሞት ምልክታት መጥቃዕቲ መርዘን ምስተረኣዩ እንተተወሲዶም ዝያዳ ውፅኢታዊ ክዀኑ ይኽእሉ።

እቶም ልሙዳት መድሓኒታት ፀረ-ቃንዛ ብምውሳድ ውፅኢት እንተዘይተረኺቡ ግን ምስ ሓኪም ምምኻር ኣገዳሲ’ዩ።

መድሓኒታት ብዝምልከት ዘሎ ዳሕረዋይ ምዕባለ፡ ዛቭዝፕረት ወይ ዛቬግፓንት ዝበሃል እዩ። እዚ “ቅልጡፍ ፍወሳ” ከም ዝህብ ዝተገልፃ መድሃኒት፡ ኣብ መጋቢት 2023 ካብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ፍቓድ ከም ዝረኸበ ማዕከን ዜና ኤንቢሲኒውስ ፀብፂቡ ነይሩ።

ከም ናይ መወዳእታ ኣማራፂ መጥባሕቲ ንሕማም መርዘን ከቃልል ከም ዝኽእል ይግለፅ። እዚ ምጕዳል ፀቕጢ ኣየር መትኒ ዝበሃል መጥባሕቲ ብሓካይም ፕላስቲክ መጥባሕቲ ዝጀመረ ሜላ እንትኸውን፥ ኣብ ጠንቂ ቃንዛ መርዘን ዝዀኑ መትኒታት ፀቕጢ የጠቓልል።

ከም ዝፍለጥ፡ ዝዀነ መጥባሕቲ ሓደጋታት ስለዘለዎ ቅድሚ ምውሳንና ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ኣገዳሲ’ዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.