Fana: At a Speed of Life!

መበል 1 ሺሕን 495 በዓል ልደት ነቢዩ መሓመድ ዝተወሰኑ ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ክኸበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥ18 ቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ መበል 1 ሺሕን 495 በዓል ልደት ነቢዩ መሓመድ ኣብ ዓቢዪ መስጊድ ኣንዋር ዝተወሰኑ ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝኽበር ገሊፁ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መሓላሊፎም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝበ ሙስሊም በዓል መውሊድ ዘኽብሮ ኣስተምህሮታት ነቢዩ መሓመድ ብምትግባርን ተምሳሌነቶም ክቕፅል ብምግባርን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ በዓል መውሊድ እቲ በዓል ንምኽባር ዘይኮነስ ኣብቲ እዋን ፈጣሪ ንደቂ ሰባት ዝወዓሎ ውዕለታ ንምውዳስን ንምምስጋንን ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼኽ ዓሊ መሓመድ ሺፋ፥ በዓል መውሊድ ምኽያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ እዋን እቲ መልእኽቲ፥ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር ካብ 100 ንዝበልፁ ነበርቲ ስነ-ስርዓት ምክፋል መኣዲ ተኻይዱ።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ነቲ ብዝተፈላለዩ ስነስርዓታት ብድሙቕ ኩነታት ዝሓሰበ ይኹን እምበር ብምኽንያት ኣብ ኢትጵያ ዘሎ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ካብ 5 ሺሕ ዘይበልፅ ህዝቢ ኣብ ዝተዓደመሉ ንምኽባር ከምዝተገደደ ኢዮም እቶም ፕሬዚዳንት ዝገለፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናጋጠሙ ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ፀገማት መልከዖም እናቐያየሩ ፈተና ከየብዝሑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣን ካልኦት ፀገማትን ንምፅዋር ዱዓ ምግባርን ሶዶቃ ምብዛሕን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኩሎም ዜጋታት ኢትዮጵያ ሰላምን ሓድነትን ሃገሩ ከምኡ እውን ልምዓት ኣብ ምቕፃል ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ንኽረባረቡን ክሰርሑን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሙሓመድ ዓሊ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.