Fana: At a Speed of Life!

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሜት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ” ብዝብል ዘ ኢኮኖሚስት ዘውፀኦ ፀብፃብ መንግስቲ ብፅኑዕ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሜት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ” ብዝብል መፅሄት ዘ ኢኮኖሚስት ዘውፀኦ ፀብፃብ መንግስቲ ብፅኑዕ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ።

እቲ መፅሄት ኣብ ክልል ትግራይ እናኻየደ ምስ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ተተሓሒዙ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዝምልከት ዝተሰሓሓተን ዝተዛበዐን ፅሑፍ ምፅሓፉ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብቲ ዝሰርሖ ፀብፃብ ድማ ”መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጥሜት ከም መሳርሒ ይጥቀም ኣሎ” ምባሉ ገሊፁ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ እውን መንግስቲ ነቲ መፅሄት ቅሉዕ ደብዳበ ፅሒፉ፡፡

ኣብ ደብዳብኡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዕሊ 31 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ኣፋውስን በቲ ወፍሪ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሓገዝ ብምትእኽኻብ ናብቲ ክልል ከምዝለኣኸ ገሊፁ፡፡

ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት እቲ ከባቢ ንምሕላው ከምዝሰርሐ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ይኹን እምበር እቲ መፅሄት ዝተወሰኑ ምዕራባውያን ከም መረጋገፂ ብምግባር ዘይተረጋገፀን ዝተዛብዐን ሓበሬታ ምውፅ ፀሪሑ፡፡

ምስ ኢዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ፅሑፉ “ሕገ-መንግስታዊ ግቡእ መንግስቲ ምንእኣሱ” ብምግላፅ፤ እቲ ፅሑፍ “መንግስቲ ዓቕሚ ኣልቦ ኢዩ ዝብል ናብ ፀርፊ ዝተፀገዐ” ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ መመሓየሺታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ደብዳቤ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዋጋ ዘኽፍል ይኹን እመበር ኣድላዪ ከምዝሖነ ፈሊፁ፡፡

ዘ ኢኮኖሚስት ቅድሚ ሕዚ ኣፍሪካውያን መራሕቲ “ሕማቓትን ዓቕሚ ኣልቦን” ኢዮም ዝብል ኣመለኻኽታ ከምዘለዎ ብምፅራሕ፥ ንኣፍሪካውያን መራሕቲ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ከምናደዶ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.