Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ፥ ስርዓት ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም ዘለዎ ግደ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ፥ ስርዓት ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም ዘለዎ ግደ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኢዩ ክብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

እቲ በዓል ኣስተምህሮ ሕገ መንግስቲን ሕብረ ብሄራዊ ሰርዓትን ብግቡእ ተበፃሒ ብዝገብር መገዲ ንምኽባር ስልጠና ኣሰልጠንቲ ሎሚ መዓት ኣብ ከተማ ኣዳማ ይወሃብ ኣሎ።

ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዛህራ ሁመድ፥ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ፥ ስርዓት ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም ዘለዎ ግደ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኢዩ ኢለን።

ህብረ ብሄራዊ ስርዓት ፌዴራል ንማዕርነት፣ ናፅነትን ሓድነትን ህዝብታት ውሕስና ዝሃበ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ብዙሕነት፣ ምክእኣልን ሓድነትን ብምጉልባት ዴሞክራሲን ዘላቒ ሰላምን ዝጠናኸረሉ በዓል ኢዩ ኢለን።

መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ብብርኪ ሃገር 29 ሕዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ክልል ሶማሌ ከምዝኽበር ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.