Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ናይጄሪያ ንምጥያሽ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር እናሰርሐ ምዃኑ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ መገዲ ኣየር ናይጄሪያ ንምጥያሽ ሓዱሽ ምስ ዝተጣየሸ መንግስቲ እታ ሃገር እናተሰርሐ ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣፍሊጦም።

ብምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጄሪያ ሓዱሽ መንግስቲ ምጥያሹ ስዒቡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተወሳኺ ልዝባት ከምዘድሊ ኣይተ መስፍን ሓቢሮም።

ነዚ ስዒቡ ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ናይጄሪያ ኣቡጃ ብምምራሕ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣካላት መንግስቲ ናይጄሪያ ብዛዕባ ምጥያሽ እቲ ብሄራዊ መገዲ ኣየር ከይዲ ፕሮጀክት ንምፍላጥ ግዘ ንኽሃቦም ሓቲቶም “ንፅበዮም ኣለና” ክብሉ ተዛሪቦም።

ብሄራዊ መገዲ ኣየር ናይጄሪያ ንምጥያሽ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክቕፅል ንምግባር ሓዱሽ ምስ ዝተጣየሸ መንግስቲ ናይጄሪያ ብቕርበት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.