Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ምንካይ ዋጋ ትኬትን እንግዶት ሆቴልን ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዝገበሩዎ ፃውዒት ስዒቡ ናብ ሃገሮም ንዝኣትዉ ኣባላት ዳያስፖራ ምንካይ ዋጋ ትኬትን እንግዶት ሆቴልን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ዋና ሓላፊ ዓውዲ ንግዲ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ የንግድ ለማ ያዴቻ ከምዝገለፁዎ÷ ቅድሚ ሕዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዪ እዋናት ንኣባላት ዳያስፖራ ፃውዒት እንተቕርቡ እቲ መገዲ ኣየር እውን ናይ ባዕሉ ሓላፍነት እናተዋፅአ ፀኒሑ ኢዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣባላት ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዝገበሩዎ ፃውዒት ስዒቡ ናብ ሃገሮም ንዝኣትዉ ኣባላት ዳያስፖራ÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ምንካይ ዋጋ ኣውሮፕላን ምግባሩ ገሊፆም።

ኣካል ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ሆቴል ስካይ ላይት ንዝዓርፉ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ብተመሳሳሊ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.