Fana: At a Speed of Life!

ሙሁራን ሩባ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍል ከምዝኾነ ንዓለም ከረድኡ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሙሁራን ሩባ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍል ምዃኑ ንዓለም ከረድኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

“ምትሕብባር ዩኒቨርሲቲታት ንሰላማዊን ፍትሓዊን ተረባሕነት ሩባ ኣባይ” ብዝብል ርእሲ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰን ግደ ዩኒቨርሲቲታትን ዘድሃበ ዘተ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጂማ ዶክተር ጀማል ኣባፊጣ፥ ግብፂ ብዝተዛብዐ ተረኽ ፍትሓዊ ዘይኮነ ናይ ባዕዳዊ ወረርቲ ስምምዕነት ብምብጋስ እቲ ሩባ ኣነ ጥራሕ ክጥቀመሉ ብዝብል ተሰጉሞ ሓሳብ ትኽክል ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

ሙሁራንን ተመራመርቲ እቲ ዘፈርን ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም መሰል ንሕረተሰብ ዓለም ከረድኡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

መካየዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፥ ህንፀት እቲ ግድብ 80 ሚኢታዊ ምብፅሑ ከምኡ እውን ኣብዚ ዓመት ክልተ ተርባይናት ብምጥቃም ሓይሊ ምፍልፋል ከምዝጅመር ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ “ዓቢዪ ግድብ ህዳሰን ዘለዎ ረብሓን ግደ ሙሁራትን እንታይ ክኸውን ኣለዎ” ብዝብል ርእሲ ዝተሰናድኡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም።

ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ሙሁራን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብኣልማዝ መኮነን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.