Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ታከለ ኡማ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ፒተር ዶይል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ምስ ኣምባሳደር ኣውስትራሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ፒተር ዶይል ተዛቲዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ትልሚ ምዕባለኣ ትኹረት ካብ ዝገበረትሎም ዓውዲታት ሓደ ልምዓት መዓድን ከምዝኾነ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ተዛሪቦም።

እቲ ዓውዲ ብዘበናዊ መልክዑ ንምህናፅ ድማ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምትሕብባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ብግደኦም፥ ኣውስትራሊያ ኣብ ልምዓት መዓድን ዘለዋ ዕዉት ስራሕ ንኢትዮጵያ ከምተካፍል ገሊፆም።

ሃገሮም እቲ ዓውዲ ንምዝማን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝተገብር ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ፒተር ዶይል፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝካየድ “Africa Down under conference” ንኽሳተፉ ንሚኒስትር ታከለ ኡማ እንግዶት ከምዘቕረቡሎም ካብቲ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.