Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ቀዳማይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ መልእኽቶም፥ “ኣባይ ወሓዚ ሩባ ነይሩ ተገዲቡ ወሓዚን ቃላይን ኮይኑ ኣሎ፤ ካብዚ ንደሓር ብወሓዝነቱ ክፈስስ ኢዩ ብቃላይነቱ ድማ ኢትዮጵያ ንእትደሊዩ ኩለመዳይ ስራሕቲ ልምዓት ንምውዓል ኢዱ ሂቡ ኣሎ” ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለኝ፥ ቀዳማይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቲ ግድብ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንክመልእ ተፈጥሮ እውን ምሳና ኮይና ሓጊዛትና ኢያ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ምዕዋት እቲ ስራሕ ልዑል ግደ ንዝነበሮም ኣካላት እውን አመስጊኖም።

ብተወሳኺ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሰለስቲአን ሃገራትን ዕዉት ዘተ ብምግባሮም አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.