Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጂቡቲ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሴኔጋል፣ ሊቢያን ሞሪታኒያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጂቡቲ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሴኔጋል፣ ሊቢያን ሞሪታኒያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ኣብ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረታ ኣፍሮካን መበል 40 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚን ንምስታፍ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጂቡቲ ሙሃሙድ ዓሊ የሱፍ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሊቢያ ናጅላ ኣልማንጉሽ ን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዓረባዊት ሪፐብሊክ ሞሪታኒያ እስማኤል ኡልድ ሼክ ኣሕመድን ለይቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ዘለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ዶክተር ናለዲ ፓንዶራን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሴኔጋል ኣሲታ ቶል ሳል ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣብ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋና ሹም ጉዳያት ካቢኔ ኣምባሳደር ምህረተኣብ ሙሉጌታን ሹም ጉዳያት ፕሮቶኮል ኣምባሳደር ፈይሰል ኣሊይን ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትማሊ ኣጋምሸት ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ፣ ቻድ፣ ኮትዲቯርን ካሜሮንን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.