Fana: At a Speed of Life!

ማልት ብምኽንያት ቫይረስኮረና ዝተቛሪፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝትክእ ሞባይል ሆትላይን ተተኣታቱ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝተቋሪፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝትኽእ ሞባይል ሆትላይን ተተኣታቱ ምህላው ተገሊፁ።

እታ ማሕበር ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ “ሴቭ ዘ ችልድረን” ብምትሕብባር ሪድ ዋን (READ ONE) ዝተብሃለ ፕሮጀክት ካብ መስከረም 2015 ክሳብ ነሓሰ 2018 ዓ/ም/ፈ ተግባራዊ ምግባራ ይዝከር።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ኩለመዳይ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ብምጥንኻር ኣብ 10 ወረዳታት ዝርከባ 336 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ዕድል ፈጢራ እያ።

ካብዚ ሓሊፉ ፕሮጀክት ሪድ ቱ (READ TWO) ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ “ክሪኤቲቭ ኣሶሼት ኢንተርናሽናል” ብምትሕብባር ካብ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ 241 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ጋንታ ኣፈሹም፣ ታሕታይ ማይጨውን ወልቃይትን ክትግበር ፀኒሑ።

ይኹን እንበር ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ምዕባይ ክእለት ምንባብን ምፅሓፍን ትኹረት ብምግባር ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝምሃሩ ተምሃሮ ዝርብሕሉ ዝነበረ ፕሮጀክት፥ ክፍፅሞም ዝሓዞም መደባት ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከምዝተቛረፀ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ንምእላይ ዓሊሙ ምስ ክሪኤቲቭ ኣሶሼት ኢንተርናሽናልን ኢትዮ-ቴሌኮምን ሓበራዊ ውዕሊ ስራሕ ብምፍርራም፥ ቴክሎኖጂ ሞባይል ሆትላይን ብምትእትታው ክቕፅል ከምዝግበር ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ሪድ ቱ (READ TWO) መምህር ጌታቸው ካሳ ተዛሪቦም።

እቲ ዝውሃብ ትምህርቲ ንኣዋጅ ኮማንድ ፖስት ቫይረስኮሮና ብዘይፃባእ መገዲ ንምትግባርን ከይተቖራረፀ ንክቕፅልን ተሓሲቡ ካብ ፍቓደኛታት መሳለጥቲ መምህራንን ወለድን ወይክዓ መዕበይቲ ከምኡ’ውን ካብ ሕድሕድ ቤት ትምህርቲ 10 ዓበይቲ ዓዲ ቁፅርታት ስልኪ ንምእካብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኣርባዕቲአን ወረዳታት ናይ 966 ፍቓደኛታት መምህራን፣ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ 1 ሺሕን 300 ሰባት ከምኡ’ውን ናይ 1 ሺሕ ወለዲ/ መዕበይቲ ቁፅርታት ስልኪ ተኣኪቡ ስለዘሎ በዚ ኣቢሉ 131 ሽሕን 97 ዝኣኽሉ ተምሃሮ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ መምህር ጌታቸው ካሳ ይገልፁ።

ሞባይል ተበፃሒ ንዘይኮነ ማሕበረሰብ ድማ ብመሰረት ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ዝተዳለው ትሕዝቶ ትምህርቲ ብኣማራፂ ሬድዮ ኣቢሉ ንምቅላሕ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ቅድመ ምድላዋት ተወጊኖም ኣለዉ።

ካብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ ክሳብ ስሩዕ ትምህርቲ ዝጅመር ከም ዝውሃብ መምህር ጌታቸው ወሲኾም ገሊፆም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.