Fana: At a Speed of Life!

ማልት ንትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቕራብ ዘኽእል ሓመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ተስፋሕፍሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዩኒሴፍ ብዝረኸበቶ ሓገዝ ገንዘብ ኣቢላ ንትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቕራብ ዘኽእል ሓመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ተስፋሕፍሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እቲ ቴክኖሎጂ ቀልጢፎም ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረምረን ብምፍራይ ካብ 6 ክሳብ 23 ወርሒ ዕድመኦም ንዝኾኑ ዕሸላት ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ዕብራንን ድኽዳኸን ንምቕናስን ዕብየት ኣእምሮ ክብ ንምባልን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሰሪሕኻ መርአይን ብምድላው ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ኣይናለም፣ ማይጨውን እንዳመኾንን ዝርከቡ 50 መራሕቲ ስድራ ብምስልጣንን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባርን ዝካየድ ከምዝኾነ ማልት ኣፍሊጣ።

ፕሮጀክት ሓመድ ኣልባ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዋይ ቢ ሃይድሮፎኒክ ፋርሚንግ ብዝተብሃለ ትካል ቴክኒካዊ ስራሕቲ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፅኦ ለውጢ መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ካይድ ይኸውን።

እቲ ፕሮጀክት ብሕፅረት ምግቢ ንዝሳቐዩ ህፃናት ትግራይ ዓለም ለኸ መምዘኒ ኣመጋግባን ስነ-መዓዛን ዘማልኡ ኣሕምልትን ፍረምረን ኣብ ከባቢኻ ብቕልጡፍ ብምፍራይ ዕብራን፣ ድኽዳኸን ዝሕታለ ኣእምሮን ንምቕናስ ዘኽእል ኢዩ።

ስለዝኾነ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ዜጋ ኣብ ምፍራይ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.