Fana: At a Speed of Life!

ማሕረሰብ ንግዲ ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራ ናብ ሃገር ምእታው ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝገብሮ ወሰኸ ዋጋ ክዕቀብ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩነታት ፀፅታ እታ ከተማ ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓታት ክፍለ ከተማን መዳርግቲ ኣካላትን ልዝብ ኣካይዱ።

ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ስዒቡ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገር እንትኣትዉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ንኽተኣናገዱ ቀዳማይ ስራሕ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ተግባር ምኽባር ሰላምን ፀፅታን ዘዕግብ ውፅኢት ንምምዝጋብ ኣመለኻኽታ ክብ ምባል ከምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ተመልኪቱ፡፡

ህዝቢ እውን ኣብዚ መዳይ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዱ ንኽሰርሐ ውፁ ዝኾነ ህዝባዊ ምድላው ክገብር ኢዩ ምባሉ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኩነታት ፀፅታ ኣዲስ ኣበባ ንምርግጋፅ ሓይሊታት ጥፍኣት ብምምዛንን እኩይ ዕላመኦም ምፍሻል ከምዘድሊ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ፡፡

ነዚ መሰረት ብምግባር ሓይሊታት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ብዙሓት ገበናት ክቆፃፀር ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ማሕረሰብ ንግዲ ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራ ናብ ሃገር ምእታው ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝገብሮ ወሰኸ ዋጋ ክዕቀብ ይግባእ እውን ተባሂሉ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.