Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ልምዓት ኣዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘህንፆም ሓፈሻዊ ህንፃ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ማሕበር ልምዓት ኣዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘህንፆም ማእኸል ባህሊን ሓፈሻዊ ህንፃ እምነ ኹርናዕ ኣንቢሮም።

ኣተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ህዝቢ ኣዊ ማሕበራዊ እሴታትን መስተጋብርን ዘለዉዎ ወናኒ ብዙሕ ታሪኽን ሓድጊን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ህንፃ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምህናፁ፥ ባህላዊን ታሪኻዊን ሓድጊታት ኣዊ ንምፍላጥ ዓቢዪ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ “ትውልዲ ዝሳገርን ዘኹርዕን ታሪኽ ንምስራሕ ቃል ብተግባር ምፍፃም ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህናፁ፥ ናብቲ ከባቢ ተጓዒዞም ዑደት ክገብሩ ዘይኽእሉ በፃሕቲ መስሕብ ቱሪዝም ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ።

15 ደብሪታት ዘለዉዎ እቲ ሓፈሻዊ ህንፃን ማእኸል ባህሊን፥ ኣብ 1 ሺሕን 700 ካሬ ሜትሮ ከምዝዓርፍ ተገሊፁ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.