Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንጨንፈር ቤት ፅሕፈት ትግራይ 15 ተሽከርከርቲ ኣስረከበ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ትግራይ እቲ ማሕበር ዝኾና 10 ኣምቡላንስን ሓሙሽተ ቀለልቲ ተሽከርከርቲን ኣስረከበ።

እቲ ሓገዝ ካብ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዘስተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ቶላ÷ ሓሳብ ሰብኣዊነት ኣብ ሕብረተሰብ ንኽፀንዕ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ትግራይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣይተ ብርሃኑ መኮንን ብግደኦም÷ ብሓገዝ ዝተረኸባ ተሸከርከርቲ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምስላጥ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለወን ኢሎም፡፡

መሓዙት ኣካላት እቲ ፅ/ቤት ናብ ዝነበሮ ብምምላስ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ኣገልግሎት ብስፍሓት ንምብጻሕ ዝከኣሎም ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.