Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ልህቀት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምህናፅ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ልህቀት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምህናፅ ሎሚ መዓልቲ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ።

ብገሓገዝ መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ዝህነፅ እቲ ማእኸል÷ ፅሬት ቴክኖሎጂ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ንምፍታሽ፣ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚን ተተሓዝቲ ተግባራትን ንምውጋን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ብምንኣድ፤ ማእኸል ልህቀት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ምህናፁ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ሕርሻ ንምዕዋት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ማእኸል ዝህነፅ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቃቂ ቃሊቲ እንትኸውን÷ ሓፈሻዊ ወፃኢ መህነፂኡ ድማ 800 ሚሊዮን ብር ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.