Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ምርምር ቴክኖሎጂ እስራኤል ብምጥያሽ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ማእኸል ምርምር ቴክኖሎጂ እስራኤል ብምጥያሽ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ንምግባር እናተሰርሕ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እስራኤል ዑደት ስራሕ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፥ እታ ሃገር ቃል ኣብ ዝኣተወትሎም ፕጀክታት ናብ ተግባር ንምእታው ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ።

ብኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ልምዓት መስኖን ምርባሕ ዓሳን ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሎ ዘተ ኣካይዱ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ጀማል በከር፥ ማእኸል ምርምር ቴክኖሎጂ እስራኤል ብምጥያሽ ምስ ትካላት መሰለጥኒ ቴክኒክን ሞያን  ብምትእስሳር ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ንምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዕድል ስራሕን ሃፍቲን ንምፍጣር ፍሉይ ጠመተ ሂባ እናሰርሐት ምዃና እውን እቶ ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም።

እስራኤል፥ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ፣ ኣብ በረኻ ከባቢ ምልማዕ ዘኽእል ልምዲ፣ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ንፈጠርቲ ቴክኖሎጂ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣትያ ከምዝነበረት ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.