Fana: At a Speed of Life!

ማዕረ ዕድልን ሙሉእ ተሳታፋይነትን ጉዱኣት ኣካል ንኽረጋገፅ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማዕረ ዕድልን ሙሉእ ተሳታፋይነትን ጉዱኣት ኣካል ንኽረጋገፅ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስጋ ደዌ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 24 ግዘ፤ ብብርኪ ዓለም ንመበል 69 ግዘ ብብርኪ ብፓናል ዘተን ዝተፈላለዩ ምድላዋትን ተኸቢሩ፡፡

ኣማኻሪ ሚኒስትር ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣይተ ጌታቸው በዳኔ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝገለፁዎ÷ ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌ ንዘልዕሉዎም ሕቶታትን ድሌታትን ግቡእ ምላሽ ምሃብ የድሊ፡፡

እቲ ሚኒስቴሩ ንማሕበራዊን ኢኮኖሚዊ ፀገማት ዝተቓልዑ ዜጋታት እግሪ ክተኽሉን ፍትሓዊ ተረባሕቲ ክኾኑን ብፍላይ ማዕረ ዕድልን ሙሉእ ተሳታፋይነትን ጉዱኣት ኣካል ንኽረጋገፅ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ግዚያዊ ሓገዝ ጥራሕ ዘይተደረኸ ዘላቕነት ዘለዎ ስርዓት ማሕበራዊ ሓለዋ፡ ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሕማም ስጋ ደዌ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ስትራቴጂክ ትልሚ ብምስንዳ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታ መጠን ደረጃ 2 ሕማም ስጋ ደዌ ዝተረኸቦም ሓደሽቲ ጉዱኣት ኣካል ናብ 5 ሚኢታዊ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.