Fana: At a Speed of Life!

ምምላስ “ፀሓይ” ኣውሮፕላን ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ብዓርሰ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምትካእ ናይ ሞራል ስንቂ ኢዩ – በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምላስ “ፀሓይ” ኣውሮፕላን ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ብናይ ባዕልና ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምትካእ ናይ ሞራል ስንቂ ኢዩ ክብል በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ በዓል መዚ “ፀሓይ” ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም÷ “ፀሓይ” ኣውሮፕላን ኣብ ታሪኽ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዕዙዝ ግደ ዘለዋን ቅድሚ 87 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተሰሪሓ ዕዉት ፈተነ በረራ ንምግባር ከምዝኸኣለት ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ እዋን ዳግም ወራር ጣሊያን ናብ ጣልያን ተወሲዳ ኣብ ሙዚየም ንዓመታት ተቐሚጣ ዝነበረት “ፀሓይ” ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ብምምላሳ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊፁ፡፡

“ፀሓይ” ኣውሮፕላን ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ንበዓል መዚ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡

እቲ ኢንዱስትሪ ብናይ ባዕልና ውፅኢታት ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምትካእ እናተገበረ ንዝርከብ ፃዕሪ ናይ ሞራል ስንቂ ከምትኸውን ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.