Fana: At a Speed of Life!

ምምሕያሻት ሕጊ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንዝተሰርሑ ስራሕቲ ራእይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ቀወምቲ ዓዕምዲ ኢዮም-ቀ/ሚ ኣቢይ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምምሕያሻት ሕጊ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንዝተሰርሑ ስራሕቲ ራእይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ቀወምቲ ዓዕምዲ ኢዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከመዝበልዎ፥ ብሄራዊ ቦረድ ምርጫ ሓዊሱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰለን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ተመሳሰልቲ ትካላት ዴሞክራሲን ፍትሒን ነፃነት ነምርግጋፅ ዘኽእሉ ብዙሓት ምምሕያሻት ሕጊ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ መሰረታዊ መሰላትን ነፃነታትን ዜጋታት ዝኾኑ መሰላት ምውዳብ፣ ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ናይ ምግባርን ዘኽብሩ ማዕቐፋት ሕጊ ምፅዳቖምን ተግባራዊ ከምዝተገበሩን ተዛሪቦም።

ኣሰራርሓ መንግስቲ ግልፅን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ዝሕግዝ ስርዓት ምምሕዳር ፌዴራል ኣዋጅ ቁፅሪ 1183/2012 ብምፅዳቕ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ሰርዓት ፍትሒ ገበን ንምዝማንን ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ሓዱሽ ስነ ስርዓት ገበንን መድብል ሕጊ መረዳእታን ከምዝፀደቐ ተዛሪቦም።

ካብ ግዕዝይና ጀሚሩ ማንነት ዘነፃፀሩ ጥቕዓታት ብዝተዛመደ ተጠርጠርቲ ብምሓዝ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፥ መህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ልዕሊ 45 ሺሕ ዜጋታት ብምሕረትን ይቕሬታን ካብ ቤት ህንፀት ከምዝወፅኡ ኣዘኻኺሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.