Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ መደቀሲ ክዳውንቲ ብሃገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 525 ሺሕ ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናይ መደቀሲ ክዳውንቲ ብሃገዝ ኣበርኪቱ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ርኽክብ እቲ ሓገዝ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦረዲን በድሪን ሓላፊ ቢሮ ንግዲ እቲ ክልል ኣይተ ነቢል ዩሱፍን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ እቲ ክልልን ተረኺቦም።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ፥ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ንብለሉ እዋን ስለዝኾነ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ኣይ ነቢል ዩሱፍ ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ እውን መሰል ሓገዛት እናተገበሩ ከምዝፀንሑን ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣብሪሆም።

ብነስሪ ዩሱፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.