Fana: At a Speed of Life!

ምምስራት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ሃፍቱ ብግቡ ንኽጥቀም ኣኽኢሉ ኢዩ – ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ዞባ እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና መዕበዪ ዓቕሚ ተዛዚሙ።

ኣብ መጠቓለሊ እቲ ስልጠና ተረኺቦም መብርሂ ዘሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣይተ ይስሃቕ ኣብዱልቃድር፥ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ኣመራርሓታት ዛይኮነስ ኣብ ፅዕንቶ ምስለኔታት ወዲቑ ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ ዜጋታት እውን ሃፍቶም እናተጠቐሙ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

እቲ ኣመራርሓ ኣተሓሳስባ ብልፅግና ብግቡእ ብምርዳእን ኣብ ውሽጢ ህብረተሰብ ለውጢ ዘይደልዩ ሓይሊታት ዝንዛሕ ዝተሰሓሓተ ዛዕባ ብምቕራፍ ሓድነት ህዝቢ ምምላስ ከምዝግባእ ኣይተ ይስሃቅ ኣተሓሳሲቦም።

መምርሒ ብልፅግና ንኡስ ቁፅሪ ንዘለዎም ብሄር ብሄረሰባት ዘሓቁፍ እምበር ዘግልል ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ተቐባልነት ህዝቢ ዝረኸበን ማዕረ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ኣካል ንኸመሓድር ዘኽእል ፓርቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብፅዕንቶ ብሽም ኢንቨስትመንት ናይቲ ክልል መሬት ሒዞም ዘልምዑ 480 ሰብ ሃፍቲ ከምዝተሓደጉን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ብምውዳብ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝግበር ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ገሊፆም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብመዓርግ ሚኒስትር ኣተሓባባሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌ፥ ፅንሰ ሓሳብ ፓርቲ ብልፅግና ብመንፅር ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ዴሞክራሲን መሰረታዊ መሰላትን ዘለዎ ትርጉም ሰፊሕ ግንዛበ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ስልጠና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ ዘለዎ ኣመራርሓ ብልፅግና ንምፍጣር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ተዓፂዮም ዝነበሩ መሰረታዊ ትካላት ምኽፋት፣ ንሰራሕተኛታት መንግስቲን ንተገልገልቲ ሕብረተሰብን ስሩዕ ስረሖም ንኸሳልጡ ብስነምግባር ዝተሓገዘ ኣመራርሓ መሃብ፣ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብሓበሬታ ምጥንኻርን ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባርን፣ ስሩዕ ስራሕቲ ምስ ኮማንድ ፖስት ብምውዳድ ምስራሕ ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ኮይኖም ከምዝተቐመጡ ካብ መምርሑ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ መተከል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.