Fana: At a Speed of Life!

ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ዘለዉ ኣርባዕተ መዓልታት እዋን ፅምዋ ይበሃሉ-ቦርድ ምርጫ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመሰረት መምርሒ ዑደት ምርጫ ኢትዮጵያ መረፃ ቅድሚ ምክያዱ ዘለዉ ኣርባዕተ መዓልታት ከምካተት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እዋን ፅሞና ኣብ ውሽጢ ዑደት ቅድመ ምርጫ ዝርከብ እንትኸውነ፥ ኣብቲ እዋን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ክትግብርዎም ዝግባእ ሓላፍነታት ከምዘለዉ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ፦

ፖርቲታት ምርጫ እቲ ቦርድ ብመሰረት ዘውፅኦ መምርሒ ሕፁያትን ደገፍቶምን ዝገበርዎ ምልዕዓል ውድድር ምርጫ ቅድሚ እቲ ምርጫ ዝካየደሉ ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ መዓልታት ክዛዘም ኣለዎ።

እቲ ምርጫ ኣርባዕተ መዓልታት እንትተርፎ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምልዕዓል መረፃ ምግባር ኣይፍቀድን።

(ብኢንተርኔት፣ ማሕበራዊ ሚዲያ፣ ገፅ ንገፅ፣ ገዛ ንገዛ፣ ኣደባባይ ፣ ኣዳራሽ  ምንም ዓይነት ምልዕዓል ምግባር ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኢዩ)

ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዛዕባታት ምርጫ ርእይቶ ካብ ምሃብ ከምኡውን ቃለ መሕትት ምግባር ኣይፍቀድን።

ብመሰረት እዚ ቦርድ ምርጫ ዘውፅኦም መምርሒታት ክፍፀሙ ይግባእ ኢሉ።

ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ አውን ኣብ እዋን ፅምዋ ዝኾነ ይኹን መርጫ ተኮር ምንቅስቓስ ምውዛዕ ኣይፍቀደሎምን ኢሉ።

ብተወሳኺ ምስ ሕፁያት ፓርቲታት ፖለቲካ ቃለ መሕትት ምግባር ኣይፍቀደሎምን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.