Fana: At a Speed of Life!

ምስጋና ንዝበለፀ ስራሕን ትግሃትን ኣድላዪ ስለዝኾ ተጠናኺ ክቕፅል ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስጋና ንዝበለፀ ስራሕን ትግሃትን ኣድላዪ ስለዝኾ ተጠናኺ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ “ኢትዮጵያ ታመስግን” ኣብ ዝተፈላለያ መሳጊድ ተኻይዱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ግዜኢ ዘዘራረቦም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ምስጋና ብእምነት እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ተግባር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብምስጋና ተወሳኺ ፀጋ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

መምህር እምነት እስልምናን ዋና ኢማም መስጊድ ኣል-ኣቅሳን ሸኽ ሰኢድ ኣሕመድ ሙስጠፋ ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብብዙሓት ፈተናታታት ምሕላፋ ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጢ ፈተና ፈጣሪ ምምስጋን ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ሸኽ ሰኢድ ከምዝበሉዎ፥ ምስጋና ካብ ልብ እንተኾይኑ ስምዒት ብተግባር እንትግለፅ ውፅኢታዊ ይኸውን፡፡

ኩሉ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ተሓባቢሩን ተሓጋጊዙን እንተሰሪሑ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝከኣል ገሊፆም፡፡

ኣመሓዳሪ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ሸኽ ኣብዱልመናን ሁሴን፥ “ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዛዕባ ምስጋና ዝምልከቱ ትምህርቲታት(ቁጥባ) ከምዝተውሃቡን ምስጋና ንዝበለፀ ስራሕን ትግሃትን ኣድላዪ ስለዝኾነ ተጠናኺ ክቕፅን ክልመድን ይግባእ” ኢሎም፡፡

ትምህርቲ ሃይማኖት ዝከታተል መንእሰይ ጀማል ጠሃ ብግድኡ፥ ኣብ ውሽጢ እምነት ክልተ ነገራት ኣዚዮም ከምዘድልዩ ብምሕባር፤ ንሳቶም እውን ትዕግስቲን ምስጋናን ኢዮም ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያውያን ሓደ እንተኾይኖም ኣብ ኩሉ ዓውዲ ሰዓርቲ ከምዝኾኑ ዝሃበረ እቲ መንእሰይ፥ ንኣብነት ድማ ኣትሌታት ዘምፅኡዎ ዓወት ፀሪሑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.