Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ብሪክስ ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ሰብ ሞያ ትካላት መፅናዕቲን ምርምርን ኢትዮጵያን ሩሲያን ምትሕብባር ብሪክስ ንምጥንኻር ዘኽእል መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይዱ ኣለዉ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምትሕብባር ብሪክስ ንምጥንኻር ዘሕእሉ ሓለዋ ከባቢን ክሌማዊ ለውጢን፣ ኣብ ሕርሻ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኣብ ፋርማሲቲካል ኢንዱስትሪን ካልኦት ጉዳያትን ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ምኽክር እናተገበረ ይርከብ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ፣ ካብ ክልቲአን ሃገራት ትካላት መፅናዕቲን ምርምርን ዝተወከሉ ሙሁራንን ሰብ ሞያን ኣብቲ ዘተ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.