Fana: At a Speed of Life!

ምዕራፍ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ ኣብ ዝቕፅል እዋን ዓቢዪ ስራሕ ከምዝፅበየና ከይንርስዕ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እናኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

“ሰራዊት ምክልኻ ሃገር ልዑል መስዋእትነት ከፊሉ ንዘጎናፀፈና ክብሪ መላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለና ደስ በለኩም” ኢለን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ “ሕጊ ናይ ምኽባር ምዕራፍ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ፤ ኣብ ዝቕፅል እዋን ዓቢዪ ስራሕ ከምዝፅበየና ንፃት እውን እንተኾነ ክንርስዕ ኣይግባእን” ክብላ ገሊፀን።

“ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ልምዓትን ምዕባለን ሃገርና ንምርግጋፅ ጠንኪርና ንስራሕ” ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ዓወት ነዚ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብሰራዊት ምክልኻል ኩርዓት ከምዝተሰመዐንን እውን ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.