Fana: At a Speed of Life!

ምጥቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ዝቐርበሉ ግዘ ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ምጥቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዝቐርበሉ ግዘ ሎሚ መዓልቲ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ከምዝዛዘም ኮሚቴ ተቐባሊ ጠቆማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎምን ኣብ ሃገራዊ ህልውና ዝፈታተኑ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ምኽክር ብምግባር ንመፃኢ ወለዶ ሰላማዊ ሃገር ንምርካብ ዝሕግዝን ካብ ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ዘይሻራዊ ዝኾነ ኮሚሽን ከምዝጣየሽ ይፍለጥ፡፡

እቲ ኮሚሽን ዝመርሑ ኮሚሽነራት ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ካብ 26 ታሕሳስ ክሳብ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጥቆማ እናገበረ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጥቆማ ዝቐርበሉ ዕለት ስለዝኾነ፥ ክሳብ ሕዚ ጥቆማ ንምሃብ ዘይከኣሉ ሎሚ መዓልቲ ክጥቁሙ ከምዝኽእሉ እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡

“ከም ዜጋ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ንምውሳን መሰሎም ብምጥቃም ጥቆመኦም ይግበሩ” ክብል ኣብቲ ባይቶ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተቐባሊ ጥቆማ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.