Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእሳነ ምምሕራት ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ግድብ ህዳሰ ካብ ህፃናት ክሳብ ዓበይቲ፣ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብኹለ መዳይ ዝተሳተፍኩሙሉን ብምድጋፍ ነዚ ናይ ዘብቃዕኽምዎን ፕሮጀክት ሎሚ መዓልቲ የበስራት ሰሚዕኹም ኢሎም።

እቲ ቀዳማይ ዙር ዝተዛዘመ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንትውልዲ ዝኸውን ሓይሊ ንምፍልፋል ምድላዉ ጀሚሩ ኣሎ ክብሉ እውን ገሊፆም።።

ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ተርባይናት ብምንቅስቓስን ሓይሊ ብምፍልፋልን ምዕራፍ ፀልማት ሃገርና ብብርሃን ንምትካእን ፃምእ ልምዓት ህዝቢ ንምርዋይን ብዘኽእል መገዲ ናብ ሓዱሽ ታሪካዊ ምዕራፍ ከምዝተሸጋገረ እውን ሓቢሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ “ኣባይ ሎሚ መዓልቲ ከምስሙ ኮይኑ፣ ኣባይ ዓብዪ ማለት ኢዩ። ኣባይ ክሳብ ሐዚ ግን ኣፀጋሚ ነይሩ” ኢሎም።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ን1 ሺሕ ዓመት ዝፀንሐ ታሪክ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ዝቐየረ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ “እንተተሰሪሑ ዘይቕየር የለን፤ ኣባይ ከቲርካ ንረብሓ ሃገር ምውዓል እንተተኻኢሉ ካልኦት ሃፍቲታት እውን ንሃገር ረብሓ ምውዓል ከምዝከኣል በሪ ዝኸፈተ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው፥ ህዝቢ ዝገበሮ ተኸታታሊ ድጋፍ ግድብ ህዳሰ ሎሚ በፂሑዎ ናብ ዘሎ ብራኸ ንኽበፅሕ ዘኽእል መሳልል ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

ቀዳማይ ዙር ምምላእ  ሓበራዊ ኣሰር ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብምዝዛም ደሚቑ ኣሎ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ሕልሚ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ንምምንዛዕ ፃዕሪ ዝገበሩ ሓይሊታት ኣብ መገዲ ብምትራፍ ዝዓበየ ዓወት ናትና ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ድማ ብሓድነት ደው ኣብ ዝበልናሉ እዋን እንበፅሐሉ ጫፍ ዘርኢ ኢዩ ብምባል፥ እቲ ግድብ ሓይሊ ብምፍልፋል ካብ ድኽነት ክሳብ እንወፅእ ፃዕሪና ቀፃሊ እዩ ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ድማ፥ ኣሰር ድሙቕ ሓበራዊ ፃዕሪ ህዝብታት ኣብ ዝተርኣየሉ ገድሊ ታሪኽ በፂሕና ኣለና ኢሎም።

ቀዳማይ ዙር ምዝዛም ምምላእ ማይ ህዳሰ ግድብ ብዓወት ምዝዛሙ ቅድመ ሐዚ ዝንዛሕ ዝነበረ በለካ ለኽዐካ ዘኽሸፈ፣ ህዝቢ ንምድንጋር ዝግበሩ ዝነበሩ ፃዕሪታት ዘቃልዐ ኢዩ ኢሎም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ሃገርና ንምዝዛም ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብምብፅሓ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም፥ ብምኽኒያት ምዝዛም ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

እቲ ግድብ ብምኽኒያት ዘጋጠምዎ ፀገማት ህንፀቱ ምዝንግዑ ዘዘኻኸሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሐዚ ዘሎ ሓይሊ ለውጢ ኣብ ሓፂር ግዘ ስጉምቲ ብምውሳድን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምትሕብባርን ግድብ ህዳሰ ማይ ምምላእ ንክጅምር ናይ ዝገበሮ ፃዕሪ ውፅኢት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ምንቕቓሕን ተስፋን ንክፍጠር ከምዝገበረ እውን ኣይተ ኣሻድሊ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.