Fana: At a Speed of Life!

ርክብ መርበብ ሓበሬታ ገፀር ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኢንተርኔት ሶሳይቲን ርክብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርኔት)ገፀር ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተጀመረ ስራሕ ዝድግፍ፣ ኣብ ገፀር ጥንኩር ርክብ መርበብ ሓሬታ ንምብፃሕ፣ መሰረተ ልምዓት መርበብ ሓሬታ ንምስፍሕፋሕን ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ንዕባይን ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣህመዲን መሓመድን ምክትል ፕሬዚዳንት ክልል ኣፍሪካ ሶሳይቲ ኢንተርኔት ዶክተር ዳዊት በቀለ ኢዮም ፈሪሞምዎ።

ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ትርንስፎርሜሽን ቅድሚት ዝተውሃቦም ዓውዶታት ሕርሻ፣ መፍረዪ፣ ኣገልግሎትን ቱሪዝምን ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ካብቲ ሚኒሰስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.