Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮ-ቻይና መርኣያ እወንታዊ ምትሕብባር ኢዩ- ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ርክብ ኢትዮ-ቻይና መርኣያ እወንታዊ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪካን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ዥንዋ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያን ቻይናን ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ዝፀንሐ ጥቡቕ ሕውነት ዘለወን ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ርክብ ኢትዮ-ቻይና መርኣያ እወንታዊ ምትሕብባር ኣፍሪካን ቻይናን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ፎሮም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ርክብ እተን ሃገራት ብኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ደሕንነት፣ ሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ኣካዳሚክን ህንፀት ዓቕሚን ልዑል ብርኪ ከምዝበፅሐ ኣዘኻኺሮም።

ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ናብ ኩለ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ክብ ንምባል ካብ ዝስማዕማዓ ጀሚሩ ሽርክነአን ምምዕባል ከምዝኸኣላ እውን ተዛሪቦም።

ትኹረቱ ኣብ ንግዲን ልምዓትን ኣብ ዝገበረ ብትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝፀደቑ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት እቲ 60 ሚኢታዊ ቻይና ዝሓዘቶ ኢዩ።

ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ምክልኻል ኮቪድ 19 ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ አወን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.