Fana: At a Speed of Life!

ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ ግድብ ህዳሰ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ዝፀንሐ ሰለስቲኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

እቲ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝተሳለጠ ኢዩ።

ይኹን እምበር ግብፂ ኣብቲ መድረኽ ሓደሽቲ ሓሳባት ሒዛ ብምቕራባ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ ክትቅበል ከምዘይከኣለት ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣድሂባ ግብፂ ሒዛቶ ዝቐረበት ሓዱሽ ሓሳብ፥ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ክመልእ ዝብል ዝነበረ ስምምዕ ብምግዳፍ “ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ክመልእ ኣለዎ” ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ከምዝቐረበት ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ነዚ ሓሳብ ፍፁም ከምዘይትቕበሎ ብምግላፅ እቲ ድርድር ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

ብመሰረት እዚ ቀፃሊ ሰኑይ ብብርኪ ሚኒስትራት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ እቲ ውፅኢት ብምቕራብ ግምገማ ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካይሮ፣ ካርቱም ከምኡ እውን ኣብ ዋሸንግተን ምስላጡ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.