Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ናይ ተኣማንነትን ቅንዕናን እሴት ክላበሱ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢሳህለወርቅ ዘውዴ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተዳለወ መዓልቲ ሲቪል ሰርቪስ ኣድሂቡ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ተሳቲፈን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ ትካላት ኣብ ምህናፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ብምግላፅ እዚ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንላዕሊ ኣብ ምርግጋፅ፤ ቀፃልነት ህልውና ሃገር ርኡይ ተራ ከምዘበርክት ኣብሪሀን።

ስለዝኾነ ድማ ሰራሕተኛታት ሲቪል ሰርቪስ እሴት ተኣማንነትን ቅንዕናን ክላበሱ ከምዝግባእ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

መዓልቲ ሲቪል ሰርቪስ እንትዝከር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ዝለዓለ ቅልውላው ኣብ ዘጋተማ ግዘ ስለዝኾነ፥ ኣብ ሰባት ለውጢ ንምፃእ መስዋእቲ እናኸፈሉ ንዝርከቡ መገልገልቲ ህዝቢ ክብሪ ብመሃብ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

ሙሉእ ናይ ስራሕ ዘበነን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብዝተፈላለዩ ሓለፍነታት ብምግልጋል ከምዘሕለፋ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ እዚ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዘኹርዕ ነገር ከምዘየለ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.