Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ኮሚሸን ኣውሮፓ ቲክቶክ ንከይጥቀሙ ተኸልኪሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ኮሚሸን ኣውሮፓ ቲክቶክ ንከይጥቀሙ ተኸልኪሎም።

እቲ መተግበሪ ካብ ሞባይሎምን ኮምፒተራት እቲ ኮሚሽንን ንክጠፍኡ ከምዝተኣዘዘ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ውሳነ፥ ድሕንነት ሳይበር ኮሚሽን ኣውሮፓ ክብ ንምባልን ዲጂታል ሰነዳት ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ኣውሮፓ ለዕሊ 32 ሺሕ ቀዋምን ግዚያዊን ሰራሕተኛታት ከምዘለውዎ ይፍለጥ።

ቲክ ቶክ ዝተብሃለ ማሕበራዊ ሚዲያ ዋንነቱ ናይ  ኩባንያ ባይትዳንስ ቻይና እንትኸውን፥ መረዳእታ ተጠቀምቲ ንመንግስተ ቻይና የቕርብ ኢዩ ዝብል ክሲታት ይቐርበሉ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.