Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊትና ንኲናት እነዳልዎ ሰላም ብምፅላእ ዘይኮነስ ሰላም ንምርግጋፅ ኢዩ-ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊትና ንኲናት እነዳልዎ ሰላም ብምፅላእ ዘይኮነስ ሰላም ንምርግጋፅ ኢዩ ክብሉ ተወካሊ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓላፊ ዋና መምርሒ ምትሕብባር ሜካናይዝድን ሌተናል ጄኔራል ኣለምእሸት ደግፌ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ወተሃደራዊ ኣታሼታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምጥማት መብርሂ ሂቦም።

ሌተናል ጄኔራል ኣለምእሸት፥ ሉእላውነት ኣብ ዘተኣሳሰሮ ማሕበረሰብ ዓለም ምድጋፍን ሓድነትን ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

“ሰራዊትና ንኲናት እነዳልዎ ሰላም ብምፅላእ ዘይኮነስ ሰላም ንምርግጋፅ ኢዩ” አወን ኢሎም።

እዚ ድማ ሉእላውነትን ብሄራዊ ረብሓን ሃገር ንምሕላው ከምዘኾነ ተዛሪቦም።

ኲናት መዛዘሚኡ ከቢድ ስለዝኾነ ንሰላም፣ ልምዓትን ምትሕብባርን ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ የግባእ ድማ ኢሎም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀኔራል ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ መንግስቲ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት የብፅሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ዝተወሰኒ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ብምውዛዕ መነግስቲ ዝሰርሖ እወንታዊ ግባር ፀለሎ ምቕበኦም ትኽክል ከምዘይኮነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.